Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ዘድሃበ ፎረም ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ዘድሃበ ፎረም ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ተሳሊጡ።

ብኣሰናዳእነት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝተሳለጠ እቲ ፎረም፥ ኣማራፂታት ቢዝነስን ኢንቨስትምንትን ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝብል መሪሕ ቃል ብመርበብ ሓበሬታ ተሰኒዩ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጥጡሕ ኣማራፂ ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ኣድሂቦም ንኩባኒያታት ኣሜሪካ ገለፃ ገይሮም፡፡

እቶም ኣምባሳደ፥ር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ፣ ቴሌኮም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተሳትፎ ውልቀን ብመንግስቲ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ከምኡ እውን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ከም ኣብነት ኣልዒሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ዘፈር ምፍራይ፣ ልምዓት ቱሪዝም፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ፣ ሓይሊን መዓድንን ንሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካ ጥጡሕ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሰላምን ፀፅታን ንምርግጋፅ እናሰርሖ ዝርከብ ኩለመዳይ ፃዕሪ ዝምልከት መብርሂ እው ንተሳተፍቲ ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.