Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 21 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 21 ምብፅሑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ 87 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ተገይሩሎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓሙሽተ ሰባት ምርካቦም ኣፍሊጡ።

ኩሎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ እቶም ሰለስተ ሰባት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎምን፤ እቶም ክልተ ሰባት ድማ ናይ ሓደ ስድራ ቤትን ነበርቲ ከተማ ኣዳማን ምዃኖም ተገሊፁ።

ኣብ ዝሕዚ እዋን ኣብ ማእኸል ፈሊኻ መውሃቢ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ዝርከቡ ሰባት 17 እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ድማ እቲ ሓንቲ ተሓካሚት ኣብ ፅኑዕ ክፍሊ ሕክምና ከምዝርከባ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ማእኸል ክትትል ዝግበረሎም ዝነበሩ ክልተ ተሓከምቲ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ክልተ ተሓከምቲ ሙሉእ ብሙሉእ ካፍቲ ሕማም ከምዝደሓኑን ንጥንቃቐ ብዝብል ግን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሎም ምዃኑን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.