Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ዝተትሓዙ በዝሒ ሕሙማት ዝሓሾም ቁፅሮም 3 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ናብ ሕክምና ካብዝኣተዉ ሕሙማት ብዝተገበረሎም ክትትል ዝነበሮም ሕማም ዝሓሾም ሰባት ቁፅሮም ሰለስተ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ቅድመ ሐዚ እቲ ሕማም ሐሹዎም ተባሂሉ ካብ ዝተገለፁ ከልተ ሰባት ብተወሳኺ ሓደ ሕሙም ከምዝሓሾ ሎሚ መዓልቲ ተዛሪበን።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 65 ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሀን።

ሓደ ሕሙም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ዝቕመጥሉ/ክትትል ሕክምና ኣብ ዝረኽብሉ ክፍሊ ከምዘሎ ገሊፀን ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.