Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 805 ሰባት እንትርከቡ 10 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 9 ሺሕን 786 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 805 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ን413 ሺሕን 397 ሰባት ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 16 ሺሕን 615 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 10 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 263 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ 78 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 763 በፂሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 134 ሰባት ኣብ ማእኸል ልዑል ክንክን ዘድሊዮም/ፅኑዓት ተሓከምቲ/ ከምዝርከቡ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.