Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮረና ዝተጠርጠሩ ሰባት ብሙሉኦም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮረና ዝተጠርጠሩ ሰባት ብሙሉኦም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ከምዝኾኑ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ወይ ተጠርጢሩ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ብምቕማጥ ክትትል ዝግበረሉ ሰብ የለን።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ነቲ ቫይረስ ምርመራ ላብራቶሪ ኣብ ትካሉ ምክያድ ብምጅማሩ፥ ናሙና ደሞም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ክለኣኽ ዝነበረ ሰለስተ ሰባት ብምምርማር ናፃ ምዃኖም ከምዘረጋገፀ እውን ገሊፁ።

ብተወሳኺ ናሙና ደሞም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ተላኢኹሎም ዝነበረ ሰለስተ ሰባት ውፅኢት ምርመረኦም ከምዝበፅሖ ብምግላፅ፥ ካብቲ ቫይረስ ናፃ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዘኽእል ምድላዋቱ ብምጥንኻር ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ 13 ሆስፒታላትን ዘድሊ ናውቲ ከምዘከፋፈለ ኣብሪሁ።

ኣብ ክልልላት ንዝርከቡ ሆስፒታላት ዘድሊ ናውቲ ምርመራ ንምክፍፋል ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣፍሊጡ።

ምዝማት እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ 31 ሓበሬታታት ናብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ዝበፅሑ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም እቶም 14 ናብ መዕቖቢ ማእኸል ብምእታው ናሙና ደሞም ተወሲዱ ምርመራ ብምግባር ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.