Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 217 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ..)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 142 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 54 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 6 ሺሕን 217 ከምዝበፅሐ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓሙሽተ ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትጵያ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 114 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 164 ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 2 ሺሕን 838 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.