Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 212 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 181 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 212 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቲ ቫይረስ ካብ ውሽጢ ዝተረኸቦም ሰባት 155 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ካብ ክልለ ትግራይ፣ 12 ሰባት ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 10 ሰባት ካብ ክልል ዓፋር፣ 7 ሰባት ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 8 ሰባት ካብ ድሬዳዋ፣  ከምኡ እውን 2 ሰባት ካብ ክልል ደቡብ  ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 8 ሺሕን 181 ከምዝበፅሐ ተሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሸውዓተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ኣስከሬን ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ከምዝነበሮም ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥  እቶም ሰለስተ ሰባት ድማ ኣብ ሕክምና ማእኸል ዝነበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 146 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ትማሊ 105 ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 4 ሺሕን 717 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.