Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ልዕሊ 20 ሺሕ ሰባት ብቫይረስኮሮና እንትልከፉ 356 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 319 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 459 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 20 ሺሕን 336 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 185 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ 358 ሰባት ድማ ሐሺዎም ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 13 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 356 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.