Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ውፅኢት ምርመራ ኮቪድ 19 ብመልእኽቲ ፅሑፍ ሞባይል ንምፍላጥ ዘኽአል ኣሰራርሓ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውፅኢት ምርመራ ላቦራቶሪ ኮቪድ 19 ንተመርመርቲ ብመልእኽቲ ፅሑፍ ሞባይል 8335 ንምፍላጥ ዘኽእል ኣሰራርሓ ምጅማሩ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመንፅር ምዕባይ ስርዓት መረዳእታ ላቦራቶሪ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝሓበረ እቲ ትካል፥ ቅድመ ሐዚ ብወረቐት ዝለኣኽ ዝነበረ ፀብፃብ ብኤሌክትሮኒክስ ብምግባር ስራሕቲ ብህፁፅ ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ውፅኢት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስኮሮና ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር 8335 ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ንተመርመርቲ ብመልእኽቲ ፅሑፍ ኤሌክትሮኒክስ (SMS) ንክበፅሖም ምግባር ምጅማሩ እውን ተሓቢሩ።

እዚ ንምግባር እቶም ተመርመርቲ ትኽክለኛ ቁፅሪ ቴሌፎኖም ከመዝግቡ ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.