Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈሪ ቡን ዝምልከት ሰሚናር ኣብ ጃፓን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈሪ ናይ በረኻ ቡን ብዝምልከት ሰሚናር ኣብ ጃፓን ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ተሳሊጡ።

ኣብቲ ሰሚናር ናይ ኢትዮጵያ በረኻ ቡን ብዝምልከት ፅሑፋት መውሃቢ ግንዛበ ቀሪቦም መብርሂ ተገይሩሎም።

ተሳተፍቲ እቲ ሰሚናር ፍረያት ናይ ኢትዮጵያ በረኻ ቡን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣልዒሎም መልሲ ተዋሂቡዎም።

ኣብቲ ሰሚናር ባህላዊ ስነ ስርዓት ኣፈላልሓ ቡን ኢትዮጵያ ብምክያድ ተሳተፍቲ ፍርያት ናይ በረኻ ቡን ክጥዕሙ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን፥ እቲ ሰሚናር ብዓወት ንኽሳለጥ ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ፐሮጀክት ሪካይ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትሕብብር ኤጀንሲ ጃፓንን ምምስጋኑ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.