Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ መተግበሪ ካርታ ትልሚ ጉዕዞ ብዕሊ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ትራንስፖርት ህዝቢ ክሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ መተግበሪ ትልሚ ጉዕዞ (ዲጂታል ማፒንግ) ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ምረቓ ተዛሪበን።

ምስ ምስፍሕፋሕ ከተማን በዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ምምፃእን ተተሓሒዙ ሓደሽቲ ከባቢታትን መንበሪ ኣባይቲን ምፍጣሮም ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ነዚ ስዒቡ ድማ መስመራት ኣውቶቡስን ታክሲን ንምፍላጥ ኣፀጋሚ እናኾነ መፂኡ ኢለን።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ፥ ካብ ናይሮቢ (ዲጂታል ማታተስ) ከምኡ እውን ካብ ካይሮ (ትራንስፖርት ካይሮ) ልምዲ ብምቐሳም ኣብ ናይ ሓፋሽ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣባባ ዲጂታል ማፕ ምስፋር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

እቲ መተግበሪ ኣብ ተግባር ንምውዓል፥ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ምስ ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ፣ ኢንስቲትዩት ወርልድ ሪሶርስን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ከምዝተሰርሐ እውን ገሊፀን።

ኣብ ቦታታት መበገሲ ፣ መተሓላለፊ፣ መዕረፊን ፌርማታን ብኣካል ብምርካብ ኣብ ውሃብቲ ግልጋሎት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ፣ ኣውቶቡስ ከተማ ኣንበሳ፣ ናይ ሓፋሽ ትራንስፖርት ሸገርን መኒባስ ታክሲ ከተማን ሓበሬታ ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ።

እቲ ሎሚ መዓል ዕላዊ ዝኾነ መተግበሪ ትልሚ ጉዕዞ፥ ኣብ ቀፃሊ እዋን ምስ ኢንስቲቲዩት ወርልድ ሪሶርስን ኣብ ክልላት ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታትን ብምትሕብባር ናብ ካልኣይ ብርኪ ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዝስፋሕፋሕ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.