Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካ ኣውቶቡስ ኤሌክትሪክ ንምጥያሽ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕን ማሕበር ኣክሲዮን ምድር ባቡር ሮሊንግ ቻይናን ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካ ኣውቶቡስ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ዘኽእል ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካ ኣውቶቡስ ኤሌክትሪክ ንምጥያሽ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ÷ “ኣብ ኢትዮጵያ ኣውቶቡሳት ኤሌክትሪክ ንኽፈርያ ብዕቱብ ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም፡፡

ማሕበር ኣክሲዮን ምድር ባቡር ሮሊንግ ቻይና ምስ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ንምስራሕ ድሌት ከምዘርአየ ምግላፁ ካብቲ ግሩፕ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.