Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢንዳስትሪ ሌዘር ሸባ መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ካይዘን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ኩለን ኩባንያታት ትእምት ዝተወከሉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ዝተሳተፉሉ መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ካይዘን ኣብ ኢንዳስትሪ ሌዘር ሸባ ተሳሊጡ።

ኣብ ንጥፈታት ካይዘን እቲ ኢንዱስትሪ ዑደት ብምግባር ዝተጀመረ እቲ መድረኽ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ብሰብ ሞያ ዝርዝር መብርሂ ከምዝተገብረ ተገሊፁ።

ሓፈሻዊ ኣተገባብራ ካይዘን ዘርኢ መባእታዊ ፅሑፍ ብኣመራርሓ እቲ ትካል ቀሪቡ፥ “ካይዘን” ለውጢ ዘምፅእ፣ ዝበለፀ ውፅኢት ከምፅእ ዝኽእል መስርሕ ከምዝኾነን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ካብ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ድሕሪ ምቕራብ እቲ ብሉፅ ተሞክሮ ናብ ትካሎም ወሲዶም ከም ዘተግብርዎ ገሊፆም ተዛሪቦም።

ብፍላይ ካይዘን ንክዕወት ብብርኪ ማናጅመንት ዘለዉ ኣመራርሓ መርኣያ ኮይኖም ክፈልጥዎን ክፍፅምዎን ምኽኣል ወሳናይ ምዃኑ እቲ ቀንዲ ዝተወሰደ ነጥቢ እዩ።

ንመስርሕ ካይዘን ቀዲማ ዝተጠቐመትሉ ሃገር ጃፖን እንትትከውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ረብሓ ኣውዒለን ውፅኢት እናመዝገባሉ ይርከባ።

መስርሕ ካይዘን፥ መፍረያይነት ንክውስኽ፣ ፅሬቱ ዝሓለወ ፍርያት ንክህሉ፣ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባህሊ ንክምዕብል፣ ከባብያውን ውሽጣውን ፅሬት ትካል ክሕሎን ዝጉሓፉ ዝነበሩ ተረፍ ምህርቲ ናብ ረብሓ ንክውዕሉን ዝሕግዝ ኣሰራርሓ እዩ።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.