Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ምርመራ ላብራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም ሰባት ውሽጢ 10 ሚኢታዊ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 12 ሚሊየን ሰባት ምርመራ ተገይሩሎም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሕዚ ምርመራ ላብራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም ሰባት ውሽጢ10 ሚኢታዊ ዝኾኑ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ፥ ክሳብ ሕዚ 1 ሚሊየን 366 ሺሕን 138 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።

32 ሺሕ 849 ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ተባሂሉ።

ኣብታ ኣህጉር 1 ሚሊየንን 112 ሺሕን ዝኾኑ ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ድሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተመለሱ እውን እቲ ማእኸል ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኣብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተሓዙ ሰባት እቶም 81 ሚኢታዊ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ዝርከቡ ከምዝኾኑ ኢዩ።

ብብርኪ ዓለም ኣብ መበል ሻምናይ ደረጃ ዝተቐመጠት ደቡብ ኣፍሪካ 22 ሚኢታዊ እንትትሕዝ፥ ሞሮኮ 21 ሚኢታዊ፣ ኢትዮጵያ 14 ሚኢታዊ፣ ሊቢያ 10 ሚኢታዊ፣ ኣልጀሪያ 4 ሚኢታዊ፣ ከምኢ እውን ኬንያ፣ ናይጄሪያ፣ ናሚቢያ፣ ቱኒዚያን ግብፂን ከክልተ ሚኢታዊ ሒዘን ይርከባ።

ፍልፍል፡- ሲጂቲኤን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.