Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ዕዉት ምዝገባ መረፅቲ እናተኻየደ ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከተማ ነቀምቴ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ዕዉት ምዝገባ መረፅቲ እናተኻየደ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ምዝገባ መረፅቲ ደንጉዩ ኣብ ዝተጀመረሎም ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ፤ ምዝገባ ካብ ዝጀመረሉ 29 ሚያዝያ ጀሚሩ ብዙሕ ተመዝጋቢ ካርድ መረፃ እናወሰደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ኣብ ኩለን ዞባታት ክልል ኦሮሚያ መርሃ ግብሪ ቅድመ መረፃ ምዝገባ መረፅቲ ብዝተሰርሐ ምድላው ቅድመ መረፃን ስራሕቲ ምዝገባ መረፅቲን እናካየድ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ኣብ ኣርባዕቲአን ዞባታት ግን ምስ ፀፅታ ተተሓሒዙ ንሓደ ወርሒን 15 መዓልቲን ደንጉዩ ነይሩ፡፡

እቲ ቦርድ ኣብ ኣርባዕቲአን ዞባታት ምዝገባ መረፅቲ ካብ 29 ሚያዝያ ክሳብ 13 ጉንበት 2013 ዓ.ም ንኽካየድ ብመሰረት ዘቐመጦ መርሃ-ግብሪ፥ ምዝገባ እናካየደ ከምዝርከብ ኦቢኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.