Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይሕጋዊ ወረራ መሬትን ህንፀት ኣባይቲን ንምቁፅፃር ዘኽእል ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ወረራ መሬትን ህንፀት ኣባይቲን ንምቁፅፃር ዘኽእል ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ምክትልከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከነለ ኡማ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ከንቲባ፥ ኣብታ ከተማ ብፍላይ ኣብ መስፋሕፍሒ ክፍለ ከተማታት እናተዛመተ ዝመፅአ ወረራ መሬት ጠጠው ንምባል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ዝተወረሩ መሬታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራኒዮ ብዘየረሕጋዊ መገዲ ዝተወረረን ህንፀት ኣባይቲ ዝተኻየደሉን 15 ሄክታር መሬት ናብ ትሕዝቶ ሓለዋ ከባቢ ክካተት ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል እዋን እውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ህንፀት ኣባይቲ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ናይ ምምላስ ስራሕቲን ሕጋዊ ተሓታትነትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.