Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 560 ኣውቶብሳት ካብ ፅባሕ ጀሚረን ናብ ስራሕ ከምዝዋፈራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምፍታሕ ካብ ፅባሕ ጀሚረን 560 ኣውቶብሳት ብኽራይ ናብ ስራሕ ከምዝዋፈራ ተገሊፁ።

እተን ኣውቶቢሳት፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ውልቀ ማሕበራት ትራንስፖርት ብዝገበሮ ስምምዕነት ኢዩ ብኽራይ ናብ ስራሕ ዝዋፈራ።

ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ዘፈር ማሕበራት ኣይተ ዣንጥራር ኣባይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ፤ እቲ ስነ-ስርዓት ምውፋር ኣብ ኣደባባይ መስቀል ብዕሊ ከምዝተሳለጠ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ፥ ብኽራይ ካብ ዘዋፍረን ኣውቶቡሳት ብተወሳኺ 3 ሺሕ ኣውቶቡሳት ንምግዛእ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ወይዘሮ ኣዳነች ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.