Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ተሸከርካሪት ብዝተፀመደ ነታጒ 17 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ተሸከርካሪት ብዝተፀመደ ነታጒ ብውሕዱ 17 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ነትጒ፥ ሎጋር ኣብ ዝበሃል ግዝኣት ዝርከብ ናይ ምምሕዳር ህንፃ ከባቢ ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ብዙሓት ሰባት ናይ በዓል ዕድጊት ኣብ ዝፍፅሙሉ እዋን ኢዩ ተባሂሉ።

ጉጅለ ዕጡቕ ታሊባን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንበዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዐረፋ ተኹሲ ደው ንምባል ስምምዕነት ንምግባር ኣብ ዝተስማዕሙዑሉ ድሮ ዝተፈፀመ ኢዩ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝጅምር ስምምዕነት ተኹሲ ጠጠው ምባል ንሰለስተ መዓልቲ ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ ነይሩ።

ታሊባን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢደይ የብሉን ዝበለ እንትኸውን፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣይ ኤስ እውን ዝበሎ ነገር የለን።

ኣቐባሊ ቓል ምምሕዳር እታ ግዝኣት ዴዳር ላዋንግ፥ እቲ መጥቃዕቲ ብኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዝተፈፀመ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም።

መንግስቲ ኣፍጋንን ዕጡቕ ታሊባንን ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዝሓሰቡዎ ጉዳይ ተኹሲ ደው ምባል ብምኽንያት ምልውዋጥ እሱራት ተጓንፎ ገጢሙዎ ኣሎ።

ምምሕዳር ታሊባን ኣሽሪፍ ጋኒ ዝሓዞም 1 ሺሕ ናይ ድሕንነት መንግስቲ ሰባት እንድሕር ለቒቑ፥ 5 ሺሕ ኣባላት ጣሊባን ንምልቃቕ ተስማዕሚዑ ኢዩ።

ብወገን መንግስቲ ኣፍጋን ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 4 ሺሕን 400 ኣባላት ጣሊባን ዝተለቐቑ እንትኾኑ፥ ታሊባን ብግድኡ 1 ሺሕን 5 ኣካላት ፀፅታ ኣፍጋኒስታን ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.