Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኤርትራ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 12 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚነስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ተለኺፎም ዝነበሩ ሽዱሽተ ሰባት፤ ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 12 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

እቶም ሓደሽቲ ሽዱሽተ ሰባት፥ ኤርትራ ዓለምለኻዊ በረራታት ቅድሚ ምእጋዳ ከምዝኣተውን ምርመራ ላቮራቶሪ ምስተገብረሎም ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከምዝፀንሑን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ብኻሊእ ዜና፥ ክልተ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝሞቱ ሓላፊ ርክብን ሓበሬታን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣይተ ያሬድ ተስፋይ ብማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ገሊፆም ኢዮም።

ካልኦት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ 10 ኤርትራውያን ከምዘለዉን ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ምልክት ናይቲ ቫይረስ ብምርኣዮም ኣብ ገዝኦም ንርእሶም ፈሊዮም ከምዝርከቡን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.