Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትኹረት ዝገበረ “ፓነል” ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ትኹረት ዝገበረ “ፓነል” ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።
 
እቲ መድረኽ ዘተ ብምትሕብባር ስብከተ ወንጌል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን መምርሒ ተልእኾ ሃዋሪያን ዝተሰናድአ እንትኸውን፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሊቃውንቲን ምሁራንን ኣብቲ ፓነል ተሳቲፎም።
 
“ፀፅቡቑ መን የርእየና?” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ መድረኽ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።
 
ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ምእራም፣ ምፍታሕን ምስትኽኻልን ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።
 
ሰላም እንተዘይሃሊዩ ልምዓትን ምዕባለን ከምዘየለ ዝሓበሩ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ ሓድነትን ፍቕሪን ንምሕላው ኩሉ ሰብ ትፅቢት ዝግበረሉ ክፍፅም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
 
“ኣቦታት ሃገር ካብ ፀላኢ ብምሕላው ኣረኪቦሙና ኢዮም፤ ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ድማ ሰላም፣ ፍቕሪን ምክብባርን ንቐፃሊ ትውልዲ ናይ ምትሕልላፍ ግዴታ ኣለዎ” እውን ገሊፆም።
 
እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.