Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ በዓል 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ምቅማጥ እምነ ኹርናዕ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕናጣብያታትን ዘመናዊ መናሃርያን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2012 ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ በዓል 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ፈሰስ ዝግበረሎም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕናጣብያታትን ዘመናዊ መናሃርያን ንምህናፅ ስነ-ስርዓት ምቅማጥ እምነ ኹርናዕ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ፥ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም ተኸስተ፣ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጉዓዝያን ከተማ መቐለ ኣይተ ተስፋኣለም ሓድሽ፣ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ወይዘሮ ራሕማ ኣብደልቃድር፣ ኣመሓደርቲ እተን ክፍለ ከተማታት፣ ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ነበርቲ እቲ ከባብን ተረኺቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጉዓዝያን ከተማ መቐለ ኣይተ ተስፋኣለም ሓድሽ፥ እተን ሎሚ መዓልቲ እምነ ኹርናዕ ዝተቀመጠለን ክልተ ኣቢያተ ትምህርቲ ልዕሊ 800 ሚልዮን ብር ክልተ ጣብያታት ጥዕና ድማ ልዕሊ 300 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝግበረለን ምዃኑ ገሊፆም።

እተን መሰረተ ልምዓታት፥ ኣብ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ፣ ሰሜን፣ ኹሓን ዓዲሓቂን ከምዝህነፃ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ብልዕሊ ብር 200 ሚልዮን ወፃኢ ዘመናዊ መናሃርያ ንምስራሕ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ ኢዩ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም ተኸስተ ብግደኦም፥ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ምግባር ሓደ ካብቶም መስመር ልምዓታዊ መንግስቲ ምዃኑ ገሊፆም።

ልምዓታዊ መንግስቲ ማለት ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብረሃም፥ እተን ሎሚ መዓልቲ እምነ ኹርናዕ ዝተነበረለንመሰረተ ልምዓታት ውፅኢት እቲ ቅኑዕ መስመር ኢየን ኢሎም።

ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ መስመሮም ፀኒዖም መንግስቲ ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ሓገዝቲን ተረባሕቲን ክኾኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ተመሪቑ ኢዩ።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.