Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ዘይሕጋውያን ነጋዶ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቑፅፃር ብዝተሰርሑ ስጡም ስራሕቲ ቑፅፅር 2 ሺሕን 882 ብዘይንግዲ ፍቓድ ይሰርሑ ዝነበሩ ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዱስትርን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ 431 ነጋዶ ድማ ንዝምልከቶ ኣካል እንተየፍለጡ ለውጢ ኣድራሻ ብምግባሮም ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ምልማዕ ንግዲ እዝቲ ቤት ዕዮ ኣይተ የዉሃንስ ገብረየሱስ ተዛሪቦም።

ከምኣገላልፃ ኣይተ ዮሃንስ፥ መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገንዘብ ብምግባር ንተጠቀምቲ ብመልክዕ ባኒ ከቕርቡ ዝዓደሎም ፊኖ ኣየር ብአየር ዝሸጡ፣ ካብ ዝተፈቐደሎም 100 ግራም መጠን ክብደት ባኒ ነክዮም ክሸጡ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 121 ነጋዶ እንዳ ባኒ እውን ስጉምቲ ተወሲድ እዩ።

ብመሰረት እቲ ስጉምቲ 29 እንዳ ባኒ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ተጠቃምነት ክወፁ፣ 83 ነጋዶ ይወሃቦም ዝነበረ ኾታ ፊኖ ካብ 5  ክሳብ 17 ኩንታል ክንከዮም፣ ሸሞንተ እንዳባኒ ድማ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም እዩ ኢሎም ኣይተ ዮዉሃንስ ።

ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ 980፥ ንግዲ ፍቓድ ከይሓዘ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊሩ ዝተረኸበ ካብ 7 ክሳብ 15 ዓመት ቅፅዓት ማእሰርቲ ካብ 150 ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ብር ቅፅዓት ክፍርድ ዝኽእል ምኾኑ ይዝከር።

ብሙሉጌታ ታደለ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.