Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ደገፍ ንዝግበኦም ወገናት  ደገፍ ይግበር ኣሎ- ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብ ከተማ መቐለ ደገፍ ንዝግበኦም ወገናት  ደገፍ ምግቢ ህፁፅ ጊዘ ይግበር ኣሎ ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ።

ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ኣብታ ከተማ ንዘለዉ 379 ሺሕ ዓቐሚ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ደገፍ ንምግባር ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ ሓገዝ ይቐርብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ን180 ሺሕ ዜጋታት ስርናይን ሕሩጭን ከምኡውን ንህፃናት ሃነፅቲ ምግብታት ከምዝተውሃበ ሓቢሮም።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.