Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዓስራይ መላእ ፀወታታት ስፓርት ትግራይ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 23 ጥሪ ክሳብ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም ብኣሰናዳእነት ከተማ ኣላማጣ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዓስራይ መላእ ፀወታታት ስፓርት ትግራይ ሎሚ ተዛዚሙ።

ብውድድራት ኦሎምፒክ ሰቲት ሑመራ ብ44 ወርቂ፣ 28 ብሩርን 26 ነሓስን ብድምር ብ98 ሜዳልያታት ቐዳማይ ደረጃ ብምውፃእ ተሸላሚት ዋንጫ ኾይና።

ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር ከተማ ኣላማጣ ድማ ብ19 ወርቂ፣ 5 ብሩርን 16 ነሓስን ብሓፈሻ ብ40 ሜዳልያታት ኻልኣይ ደረጃ ሒዛ።

ከተማ ሽረ እንዳስለሰ፥ ብ14 ወርቂ፣ 13 ብሩርን 12 ነሓስን ብድምር ብ39 ሜዳልያታት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።

ብውድድራት ፓራሊምፒክ፥ ወረዳ ሓውዜን፣ ከተማታት ዓድዋን ኣኽሱምን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን።

ብዲፍሊምፒክ ክፍለ ከተማ ሓድነት ዋንጫ ተሸሊማ።

ከተማ ዓዲግራትን ክፍለ ከተማ ሓወልቲን ድማ ተሸለምቲ ብሩርን ነሓስን ኾይነን።

ብምርኢት ባህሊ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ፣ ከተማ ሲቲት ሑመራን ወረዳ ናዕዴር ዓዴትን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምውፃእ ተዓዊተን።

ብስፖርታዊ ጭዋነት ብፓራሊምፒክ ከተማ ማይጨው፣ ብዲፍሊምፒክ ከተማ ሸራሮ፣ ብኦሎምፒክ ድማ ከተማ ሰቲት ሑመራ ተዓዊተን።

ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር ከተማ ኣላማጣ እውን ተሸላሚት ዋንጫ ኾይና።

ድሕሪ ኽልተ ዓመት ንዝካየድ መበል 11 መላእ ፀወታታት ትግራይ ድማ ከተማ ውቕሮ ክተሰናድእ ተሓርያ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት መዕፀዊ ንሓላፊት ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ወ/ሮ ገነት ኣረፈ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተረኺቦም እዮም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.