Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ዉሃን ብውሑዱ 500 ሰራሕተኛታት ሕክምና ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ብውሑዱ 500 ሰራሕተኛታት ሕክምና ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ንፈለማ ግዘ እቲ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተርኣየላ ከተማ ዉሃን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ንሕልፈት እናተቓልዑ ከምዝኾነን ይፍለጥ።

ፀብፃባት ከምዝሓበሩዎ ድማ ኣብታ ከተማ ብውሑዱ 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሕክምና ቢቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን ህይወት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ከምዝሓለፈን ኢዩ።

መንግስቲ እታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰራሕተኛታት ብጉድለት ውልቀ ጥንቃቐ ዝተፈጠረ ኢዩ ዝበለ እንትኸውን፥ ኣብታ ከተማ ግልጋሎት እናሃቡ ዝርከቡ ዶክተራትን ነርስታትን ግን እቲ ሓበሬታ ከይወፅእ ከምዝተኣዘዙ ሓቢሮም።

ነዙይ ስዒቡ ኣገልግሎት ሕክምና እናሃቡ ኣብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዓቢዪ ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ።

እቲ ሓበሬታ እላዊ ከይግበር ዝተደለየሉ ምኽንያት ግን ክሳብ ሕዚ ኣይተገለፀን።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝመሓላለፍ ሓዱሽ ሕማም ኮቪድ-19 ዝብል መፀውዒ ከምዝሃቦ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ “ካብ ሕዚ ንደሓር እቲ ሕማም ሓድሽ መፀውዒ ረኺቡ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ኮቪድ-19 ዝብል እዩ” ክብሉ ኣብ ጀኔቫ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

እቲ ሓድሽ መፀውዒ ዝረኸበ ለበዳ ሕማም፥ ኣብ ቻይና ዛጊድ ካብ 1115 ሰባት ምቕዛፉ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ ልዕሊ 45 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 4771 ሰባት ድማ ግልጋሎት ሕክምና ረኺቦም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.