Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ዓድዋ ን10 መዓልቲ ዝፀንሕ ኤግዝብሽንን ባዛርን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲትን መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋን ምክንያት ብምግባር ን10 መዓልቲ ዝፀንሕ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኸፊቱ።

እቲ ባዛር ኤግዝብሽን ብማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ዝተዳለወ ኮይኑ፥ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ትግራይ እናተሳለጠ ዝፀንሐ እዩ። ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተከፊቱ ኣሎ።

ካብቲ ባዛር ኤድዝብሽን ዝተረኸቡ ዝተፈለዓለዩ ኣታዊታት ድማ ንመጠናኸሪ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ፍልፍል፡- ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.