Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኩዌት፣ ባህሬንን ኣፍጋኒስታንን ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩዌት፣ ባህሬንን ኣፍጋኒስታንን ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ከተማ ዉሃን ዝተልዓለ ቫይረስ ኖብል ኮሮና፥ ካብ ቻይና ወፃእ ናብ ብዙሓት ሃገራት እናተላበደ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኩዌት፣ ባህሬንን ኣፍጋኒስታንን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴራት ጥዕና እተን ሃገራት ኣፍሊጦም።

ትማሊ ዕለት 150 ሰባት ኣብ ቻይና፣ 70 ሰባት ድማ ኣብ ደቡብ ኮሪያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሰባ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ ኢዩ።

ኣብ ኢራን በቲ ቫይረስ 43 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 12 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ነዚ ስዒቡ ቱርኪ፣ ፓኪስታንን ኣርሜኒያን ምስ ኢራን ዘዋስኑወን ዶባት ከምዝዓፀዋን ኣፍጋኒስታን ድማ ማዕቐብ ጉዕዞ ከምዘንበረትን ተሓቢሩ።

ኣብ ጣሊያን 150 ሰባት ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ፥ ኣብ መላእ ዓለም በቲ ለበዳ ሕማም ልዕሊ 2 ሺሕን 600 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ።

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.