Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ እናተሳለጠ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ዘተ ብዘይ ውፅኢት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ እናተሳለጠ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ዘተ ብዘይ ውፅኢት ምዝዛሙ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢንርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱድንን ግብፂን ንዘሓለፉ 11 መዓልቲታት ተዓዘብቲን ኤክስፐርታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተኻየደ ዝነበረ ድርድር ብዘይ ውፅኢት ከምዝተዛዘመ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ብዝፀሓፉዎ ፅሑፍ ገሊፆም።

ትማሊ ምሸት ሰለስተ ሰዓት ኣከባቢ ብዘይ ውፅኢት ዝተዛዘመ ድርድር ብዝምልከት ድማ ንሕብረት ኣፍሪካን ንቢሮ መራሕቲን ዝቐርብ ፀብፃብ ከምሰናዳእ ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ሓቢሮም።

ጉባኤ ቢሮ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ኣብ ደምቢ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱድንን ግብፂን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ብላዓለዋይነት እናተመልከቶ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.