Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝተረኸበ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 06 ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝተረኸበ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ከምዝተትሓዘ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ኬላታት ብዝተገበረ ፍተሻ፥ ብር 2 ሚሊየንን 370 ሺሕን ከምዝተትሓዘ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብዱልዓዚም መሓመድ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ጠረፍ ሱዳን ትርከብ ከተማ ወረዳ ኩርሙክ ብሓደ ውልቀሰብ እናዘዋወረ ዝተረኸበ ብር 600 ሺሕ እንትተሓዝ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ኬላ ማንኩሽ ድማ ብር 300 ሺሕ ከምዝተትሓዘ እቶም ኮሚሽነር ኣገንዚቦም።

ኣብ ኬላ ከተማ ኣሶሳ ብር 700 ሺሕ፤ ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ኣሶሳ ወረዳ ቡልድግሉ ኬላ ጎንቆሮ ድማ ብር 770 ሺሕ ከምዝተትሓዘ ምግላፆም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ብስፍሓት ክህሉ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ከምዝግመት ዝገለፁ ኮሚሽነር ኣብዱልዓዚም፥ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብር ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.