Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስሩዕ ምንቅስቓሳት ንክቋረፁ ብምግባር እቲ ክልል ማእኸል ናዕቢ ንክኸውን ዝተገበረ ፈተነ ከምዝፈሸለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስሩዕ ምንቅስቓሳት ንክቋረፁ ብምግባር እቲ ክልል ማእኸል ናዕቢ ንክኸውን ዝተገበረ ፈተነ ከምዝፈሸለ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ መገዲታት ብምዕፃው ህዝቢ እቲ ክልል ንዘይምርግጋዕ ዝተገብሩ ሽርሒታት ኣይተዓወቱን ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እቲ ክልል ሰላማዊ ምንቅስቓስ ቀፂሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ምጥፋእ ህይወት ሰብን ዕንወት ንብረትን ምኽኒያት ብምግባር ንትርፊ ፖሊቲካ ምጥቃም ዝደለዩ ሓይሊታት ፃዕሪ ከምዝገበሩ እውን ገሊፆም።

እቶም ሓይሊታት፥ እቲ ዘጋጠመ ፀገም ምስ ብሄር ብምትሕሓዝ ሓደ ብሄር ኣብ ልዕሊ ካሊእ ብሄር ንምልዕዓልን ንምዕማፅን ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ይኹን እንበር ልምዓት እቲ ክልል ንምዕንቃፍ ዓሊሞም መገዲ ብምዕፃው ስሩዕ ምንቅስቓሳት ክቋረፁ ዝሰርሑ ሓይሊታት፥ ብምኽኒያት ሓድነት ህዝቢ እቲ ክልል ኣይሰመረሎምን ኢሎም።

ክልል ኦሮሚያ ንከይረጋጋዕ ብምግባር እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ናይ ምእታው ፖለቲካዊ ቁማሮም ቀፂሎም ኢዮም ዝበሉ ኢቶም ሓላፊ፥ እቶም ፀረ ሰላም ሓይሊታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንክጓነፁ ዘኽእሉ ኣጀንዳታቶም ኣብ ሚዲያታት እናተዛረቡ ይርከቡ ኢሎም።

ኮይኑ ግና ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ስሩዕ ክረምታዊ ስራሕቲ ይርከብ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታቱ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ነዚ እውን ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 327 ሚሊየን ፈልሲ ምትካሉ ኣረዲኦም።

ንዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ቅድመ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ተወሳኺ 30 ሺሕ መምሀሪ ክፍሊታት ናይ ምህናፅ ምንቅስቓሳት ከምዝተጀመረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ ህዝብታት ሓድነቶም ንከጠናኽሩን ሓይሊታት ጥፍኣት ናይ ምቅላዕ ስራሕቲ ተጠበናኺሩ ንክቕፅልን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.