Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦሮና ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተፀገሙ ወገናት ልዕሊ 27 ሺሕን 900 ኩንታል እኽሊ ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦሮና ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተፀገሙ ወገናት ልዕሊ 27 ሺሕን 900 ኩንታል እኽሊ ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ከባቢ ብዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ዝተፈጠረ ድርቂ ነበርቲ ንፀገም ተቓሊዖም ኢዮም።

ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኮሚሽን ዝተፀገሙ ወገናት ንምሕጋዝ ብፍላይ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ንኽኽቡ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ፥ ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተፀገሙ ወገናት ዝኸውን ልዕሊ 27 ሺሕን 900 ኩንታል እኽሊ ከምዝተኸፋፈለ ተዛሪቦም።

ካብ ሞንጎ እዚ ልዕሊ 12 ሺሕ 400 ኩንታል ስርናይ፣ ልዕሊ 6 ሺሕ ኩንታል ሩዝ፣ 6 ሺሕ ሕሩጭን ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ኩንታል ሃነፅቲ ምግቢን ከምዝኾነ ኣይተ ደበበ ኣብሪሆም።

እቲ ሓገዝ ቀዳማይ ዙር ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ብዘላቕነት ከምዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.