Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ወፃኢ ንግዲ 692 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ካብ ወፃኢ ንግዲ 692 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ፥

ኣብ ክልተ ኣዋርሕ እቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ዝተረኸበ ኣታዊ ብመንፅ ትልሚ ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዝተሃቀነ 424 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ እንትኸውን፥ ዝተሳለጠ ድማ 502 ሚሊየን ዶላር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዚ ድማ ካብ ዝተትሓዘ ሽቶ 118 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኸኣለ ዘርኢ ኢዩ፡፡

ንግዲን ኢንዱስትሮን ካብ ዝከታተሎም ፍርያታት 82 ሚሊየን ዶላር ንምእካብ ተሓሲቡ 85 ሚሊየን ዶላር ብምርካብ ልዕሊ ትልሚ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ዓውዲ መዓድን 119 ሚሊየን ዶላር ንምዕዋት ተሓሲቡ 88 ሚሊየን ዶላር ጥራሕ ከዕውት ክመዝኸኣለን ዝተሓተ ከምዝኾነን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.