Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወልቃይት ጠገዴ ከባቢ ዲቪዥን ዳንሻ ጣቢያ ሰፈራ ንጥፍኣት ዕላማ ክውዕል ዝነበረ ልዑል መሳርሒታት ጦር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ወልቃይት ጠገዴ ከባቢ ዲቪዥን ዳንሻ ጣቢያ ሰፈራ ንጥፍኣት ዕላማ ክውዕል ዝነበረ ልዑል መሳርሒታት ጦር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኣብ እዚ ሰሜን ዋና ኣዛዚ 5ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር ጄነራል ሙሏለም ኣድማሱ ኣፍሊጦም።

እም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ መሳርሒታት ኲናት፥ 207 ክላሽ፣ 9 ሺሕን 80 ጠያይቲ፣ 26 ኣርባ ጎራሽ፣ 18 ኣስር ጎራሽ፣ ዝተፈላለዩ ሽጉጣት ማካሮፍ 26፣ስታር 5፣ ፎርት ፋይቭ 4፣ ብሬታ 1፣ ማፕ 2 ከምኡ እውን 108 ዝተፈላለዩ ዓነታት ቦምቢን ኢዮም።

ካብ 1986 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ ሰባት ክሰፍሩሉ እናተገበረ ዝፀንሐ መንበሪ ጣቢያ፥ ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ብዘይ ምንም ልውውጥ ተኹሲ ብፍሉይ ወታደራዊ ጥበብ እቶም መሳርሒታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እቶም ጀነራል ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.