Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ስራሕቲ ምርመራ ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ንምክልኻል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኩሎም ተጓዓዝቲ ስራሕቲ ምርመራ ሙቐት ሰውነት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፥ ሕማም ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሕማም ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ካብ ወርሒ 21 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ከምዝተወለዐ ምግላፁ፥ እቲ ኢንስቲትዩጥ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ።

ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ንምክልኻል ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን እቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ምትእስሳር ትራንስፖርት ኣየርን ምድሪን ዘለዋ እንትትኸውን፥ እቲ ሕማም ተራእዩለን ምስ ዝተብሃላ ሃገራት እውን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢላ ብዙሓት በረራታት ከምትገብር ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ፥ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣየር ኣቢሎም ንዝኸዱ መንገደኛታት ነቲ ሕማም ቫይረስ ከይቃልዑ ሓበሬታ ምሃብ፤ ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ተጓዓዝቲ ድማ በቲ ሕማም ተታሒዞም ክኾኑ ስለዝኽእሉ ብመሰረት ምኽረ ሓሳብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኹሎም መንገደኛታት ስራሕቲ ምፍላይ ሙቐት ሰውነት ከምዝተጀመረ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ካብዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ከምዝጀመረ ዝሓበረ እንትኸውን፥ ንክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣድለዪ ዘበለ ቅድመ ምድላው ስራሕቲ ንኽሰርሑ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ኣብ ቻይና ከምዝተልዓለ ዝተገለፀ እቲ ቫይረስ፥ ክሳብ ሎሚ ዕለት 15 ጥሪ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት 581 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ።

እቶም 571 ሕሙማት ካብ ቻይና እንትኾኑ፥ እቶም 26 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እውን ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ፀብፂቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.