Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 40 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 40 ሚሊየን ከምዝዛየደ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ወርልድኦሜትር እንተኾይኑ፥ ኣብ መላእ ዓለም 40 ሚሊየን 38 ሺሕን 606 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ሓደ ሚሊየን 115 ሺሕን 719 ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።

ኣሜሪካ ብብርኪ ዓለም 8 ሚሊየን 343 ሺሕን 244 ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ቀዳማይቲ ኮይና እናመርሐት ትርከብ።

ኣብታ ሃገር 224 ሺሕን 284 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ 5 ሚሊየን 432 ሺሕን 457 ሰባት ድማ ካብቲ ሕማም ከምዝደሓኑ ተገሊፁ።

ህንዲ 7 ሚሊየን 494 ሺሕን 551 ሰባት፣ 5 ሚሊየን 224 ሺሕን 362 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ይከባ።

ሩሲያ፣ ስፔን፣ ኣርጀንቲና፣ ኮሎምቢያ፣ ፈረንሳይ፣ ፔሩን ሜክሲኮን ድማ ብቕደም ሰዓብ ብዙሓት ሰባት ዝተትሓዙወን ሃገራት ተባሂለን ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ካብ ኣህጉር ኣፍሪካ ቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ብብዝሒ ዝተመዝገበላ ሃገር ደቡብ ኣፍሪካ እንትትከውን፥ 702 ሺሕን 131 ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን 18 ሺሕን 408 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ድማ 88 ሺሕን 434 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ብብርኪ ኣፍሪካ ራብዐይቲ ካብ ዓለም ድማ መበል 49 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ 1 ሺሕን 346 ሰባት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም እንትስእኑ፥ 42 ሺሕን 99 ሰባት ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.