Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዝተሳተፉ ዜጋታት ወፃኢን ውሽጢ ሃገርን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክቶሬት ምርመራ ገበንን ቢሮ ፋይናንስን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዲቪዥን ምርመራ ዝውውር ገንዘብ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ገንዘባት ኣብ ምድላው፣ ምግልጋልን ምዝውዋርን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ፖሊስ ብዝገበሮ ምርመራ 174 ሺሕን 350 ዝተቐየረ ሓዱሽ ኖት ብር ከምኡ 605 ሺሕን 550 ናይ ሕሶት ብር ብምስንዳእ፣ ብምግልጋልን ብምዝውዋርን ኣብ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ሸውዓተ መዛግብቲ ብምውዳድ እናፃረየ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ፖሊስ ምስቲ ገበን ርክብ ዘለዎም ሸሞንተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓለ እንትኸውን፥ ሽዱሽተ መዛግብቲ ኣዋዲዱ ከይዲ ምርመራ ዛዚሙ ናብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ብምልኣኽ ክሲ ንኽምስረተሎም ከምዝተገበረን ኣብ ዝተረፈ ሓደ መዝገብ ድማ እፃረየ ከምዝኾነ ሓላፊ እቲ ዲቪዥን ኣይተ ሽመልስ ጥበቡ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብተመሳሳሊ ልዕሊ 99 ሺሕን 852 ዶላር ኣሜሪካን ፣ 3 ሺሕን 555 ድርሃም፣ 210 ዩሮ፣ 2 ሺሕን 553 ሪያል፣ 5 ሺሕን 495 ገንዘብ ሱዳን፣ 1 ሺሕን 800 ናቕፋ ኤርትራ፣ 500 ራንድ ደቡብ አፍሪካን ልዕሊ 474 ሺሕን 500 ብር ኢትዮጵያን ብብርበራ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ 10 መዛግብቲ ብምውዳድ እናፃረየ እንትኸውን፥ ብዝገበሮ ተወሳኺ ክትትል 14 ሺሕን 800 ናይ ሕሶት ዶላር ኣሜሪካን ልዕሊ 1 ሺሕ ሓቀኛ ናይ ህንዲ ገንዘብን ሒዙ ኣብ ዝተረኸበ ሓደ ውልቀሰብ መዝገብ ምርመሩኡ ብምዝዛም ናብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝለኣኹ ኣይተ ሽመልስ ጥበቡ ወሲኾም ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልተ ዜግነት ላይቤሪያን ኣሜሪካን ዘለዎም ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ጅማን ገንዘብ ነራብሕ ኢና ብምባል ሕብረተሰብ ናይ ምድንጋር ተግባር እንትፍፅሙ ብዝተገበረሎም ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ብሰለስተ ምምርመራ መዝገብ እናተፃረየ ከምዝኾነ እቶም ሃላፊ ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምክልኻል ናይ ህይወት መስዋእትነት አርንተይተረፈ ብመኽፋል ሓላፍነቱ እናተዋፀአ ይኹን እምበር፤ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርገሐ ከምዝኾነ ምሕባሩ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.