Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት እናተረኸቡ ንዝርከቡ ዓወታት ብፅሒት ቀረብ ሎጂስቲክስ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላኢ ሃገር ዝኾነ ጉጅለ ህወሓት ንምድምሳስ ዝተፈላለዩ ሎጂስቲክሳት ብግቡእ ምቕራቦም እናተረኸበ ንዝርከብ ዓወት ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ግምባር ደብረ ዘቢት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ኮሎኔል ኣለባቸው ብዙነህ ገሊፆም።

ቀረብ ሎጂስቲክስ ብግቡእ መገዲ ምምልኡ ኣብበቢዓውዲ ግምባር ልዑል ዓወት ንኽምዝገብ ከምዘኽአለ ኮሎኔል ኣለባቸው ተዛሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ግምባር ደብረ ዘቢጥ ውፅኢታዊ ተግባር ንኽርከብ ምግባሩ መርኣያ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ሓደ ዓውደ ውግእ ቀረብ እታወት ልዑል ብፅሒት ብምፅዋት ፀላኢ ንምምብርካኽ ዘኽእል ኢዩ ክብሉ ኢዮም እቶም ሓላፊ ዝሓበሩ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ሓይሊ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝድምሰስ ኣብ ክፍሊ ሎጂስቲክስ ከየጋጥም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምሕባሮም ካብ ፖሊስ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.