Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ክጅምር ከምዝተገበረ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ክጅምር ከምዝተገበረ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብቶም ዞባታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ንክጅምር መንግስቲ እቲ ክልልን ፌዴራልን ብሓባር ክሰርሕዎ ዝፀንሑ ስራሕ ምዝዛሞም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ካብ ሎሚ መዓልቲ ኣትሒዙ ንክጅምር ከምዝተወሰነ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ፣ ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ሰላምን ምርግጋዕን ከምዝተመለሰ ኣይተ ሽመልስ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ነዚ ስዒቡ ህንፀቶም ኣቋሪፁ ዝነበረ ፕሮጀክትታት ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ከምዝተገበረን ሓደሽቲ ዝጅምሩ እወን ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ዘኽእል ፃዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.