Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ መልካ በሎ ብዝወቕዐ ዓያል ዝናብ ብዘስዓቦ ምንሽርታት መሬት ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ መልካ በሎ ዝወቕዐ ዓያል ዝናብ ብዘስዓቦ ምንሽርታት መሬት ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ኣብታ ወረዳ ቀበሌ ቶኩማ ጃላላ ካብራ ዝበሃል ቦታ ትማሊ ለይቲ ከባቢ ሰዓት ሸውዓት ኢዩ ኣጋጢሙ።

በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሸውዓተ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እንስሳትን ንብረትን ጉድኣት ምብፅሑ ቢት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ጋሻ ውሕጅ ብዘስዓቦ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት፥ እቶም ሽዱስተ ሰባት ኣባላት ሓደ ስድራቤት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.