Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጅማ ሆስፒታል ሰቃ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ሆስፒታል ሰቃ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ብሰላም ምግልጋላ ተገሊፁ።

ኣዶ ገነት ፍሳሃ ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትትከውን፥ ምስ ስድራቤታ ኮይና ንምውላድ ኢያ ናብ ዞባ ግማ ወረዳ ሸቤ ክትከይድ ዝኸኣለት።

ሓሙስ መዓልቲ 21 ጥሪ 2012 ዓ.ም ሕማም ሕርሲ ምስ በርትዓ ናብ ሆስፒታል ሰቃ ዝተወሰደት ወይዘሮ ገነት፥ ሰብ ሞያታት ጥዕና እቲ ሆስፒታል ብዝገበሩላ ሓገዝ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ብሰላም ክትገላገል ከምዝኸኣለት መካየዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ኣዳነ ዴሲሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ የኮርፖሬት ገሊፆም።

ወይዘሮ ገነት ብሰላም ንኽትገላገል ሓገዝ ሕክምና ዝገበሩላ በዓል ሞያ ሕክምና ወንድሙ ለማ ብግደኦም፥ ካብ መዓንጣ ንላዕሊ ኣካል ሰውነት ዘይብሉ ወዲ ተባዕታይ ህፃን ምስ ሙሉእ ኣካላት ሰውነት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ህፃንን ተጣቢቑ ምውላዱ ተዛሪቦም።

ኩነታት ጥዕና እታ ህፃን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም በዓል ሞያ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንተወሳኺ ሓገዝን ምርመራን ናብ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ጅማ ከምዝተልኣኸት እውን ገሊፆም።

ሰብ ሞያትት ጥዕና ሆስፒታል ሰቃ ነታ ኣዶ ንምውላድ ሓደ ሰዓት ከምዝወሰደሎም ካብ ሆስፒታል ሰቃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.