Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቃወም ሰልፊ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንነ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝቃወም ሰልፊ ከካይዱ ኢዮም።

እቲ ሰልፊ መንገስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮም ተግባራት ዝድግፍ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ ኣበ ጎድኒ ኢትዮጵያ ዝተሰለፋ ሃገራት ንምምስጋን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ኮሚቴ ኣተሓባባሪ እቲ ሰለፊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ቀፃሊ ዕለተ ሰኑይ “ንፀገም ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ኢዩ።

ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ደው ብምባል ሉእላውነት ሃገር መሕላው ሓላፊነት እዚ ትውልዲ ኢዩ ኢሉ እቲ ኮሚቴ።

ስለዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ደው ንምባል ናብ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን መለእኽቲ ከምዝተሓላለፍ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.