Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ልዕሊ 6 ሺሕ ሰባት ንሕልፈት ተቓሊዖም – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ልዕሊ 6 ሺሕ ሰባት ንሕልፈት ምቅለዖም ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ዝርገሕ እቲ ለበዳ ሕማም ብቕልጡፍ እናተስፋሕፈሐ ምዃኑ እውን እቲ ውድብ ገሊፁ።

ካብ ዝሓለፈ መጀመርታ ዓመት ኣውሮፓውያን ጀሚሩ ናብ 310 ሺሕ ዝፅግዑ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም ኢዮም።

እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብታ ሃገር ካብ ዝውላዕ ንደሓር፥ ኣብ 26 ክልላት ከምዝተርኣየ እውን ተገሊፁ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ፥ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ልዕሊ 18 ሚሊየን ህፃናት ክትባት ክረኽቡ ምኽኣሎም ተሓቢሩ።

ትሑት መሰረተ ልምዓት፣ ኣብ ልዕሊ ማእኸላት ጥዕና ዝፍነዉ መጥቃዕቲታትን ሕፅረት ስሩዕ ሓለዋ ጥዕናን ድማ፥ ንምዕጋት ዝርገሐ እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ማሕለኻታት ምዃኖም እቲ ውድብ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ኣፍሪካ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ዶክተር ማሺዲሶ ሞኤቲ፥ እቲ ለበዳ ሕማም ንምቁፅፃር ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.