Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገገዛና ብምዃን ፀሎት ንግበር-ንኡስ ግብረ ሓይሊ ትካላት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኡስ ግብረ ሓይሊ ትካላት ሃይማኖት ክልል ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ።

እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ሸውዓተ ትካላት ሃይማኖት ዝሓቖፈ እንትኾን፥ ተኸተልቲ ሃይማኖቱ ብዛዕባ ቀዛፍነት እዚ ሕማምን ክገብሮ ዝግብኦ ጥንቃቐን ብዝተፈላለዩ መገድታት ኣስተምህሮ ከምዝሃበ ሓቢሩ።

ብተወኺ በቢክልተ ሰሙኑ እናተራኸበ ዝሰርሖም ስራሕትን ዘጋጠምዎ ፀገማትን ብምግምጋም ንግብረ ሓይሊ ምክልኻል ሕማም ቫይረስኮሮና ከምዘቕርብ ገሊፁ።

ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ንዝወፀ ህፁፅ ኣዋጅ ስዒቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኩለን ሃይማኖታት ንምእመኖም ዝተፈላለዩ መምርሕታት ብምውራድ ክንቀሳቐሱ እኳ እንተፀንሑ፥ ኣብ ተግባራውነቱ ግና ብፍላይ ኣብ ተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ሓላፍ ዘላፍ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ዘመሓላለፍዎ ውሳነ እናጠሓስካ በቢኣብያተ ክርስትያኑ ይኹን በቢመንደሩ እናተኣከብካ ፀሎትን ምህልላን ምግባር ከምዘይተገደፈ ተገሊፁ እዩ።

እዚ ተግባር ንኹሉ ማሕበረሰብ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ ብኣጋ ክተርፍ ዘለዎ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፥ ኣካላት ፀጥታ እውን ትኹረት ገይሩ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ እዩ።

“ኣብ ገገዛና ብምዃን ፀሎት ንግበር” እንትበሃል ንሕና ኢና ዘይንራኸብ እምበር ካብ ፈጣሪና ዝተፈለና ክመስለና ከምዘይብሉ ምግንዛብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ዓበይቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ይመፁ ምስ ምህላዎም ተተሓሒዙ ድማ ኩሉ ምእመን ትእዛዝ መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝግባእ ኣዳሚፁ ንተግባራውነቶም መሪሕ ተራ ንክፃወት ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.