Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ምድንጋራት ንምፅራይን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክግበር ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ምድንጋራት ንምፅራይን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ከምዝግበር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም መዛረቢ ወቐሳ ፈኒዮም ኢዮም።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብዝኸነ ይኹን ምትዕንቓፍ ካብ ዝሓሰብናዮ መገዲ ኣይንተርፍን፤ ዝተለምናዮ ንምዕዋት ዝእግደና ምድራዊ ሓይሊ የለን” ዝብል ቅዋም ዝሓዘ መግለፂ ምውፅኡ ይፍለጥ።

ኣቀባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ፕዚዳንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ኣድሂቦም ዝተዛረቡዎ ሓሳብ ኣግባብነት ዘብሉን ክኸውን ዘይኽእልን ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዘየማትእ ግልፂን ጥንኩርን ቅዋም ከምዘለዎ እውን ኣኣፍሊጦምም።

ኣብ መላእ ዓለም ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው፥ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታትን ቤት ፅሕፈታት ቆንስላን ኢዮጵያ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ መሓዙት ትካላት ምንቅስቓስ እናገበሩ ከምዝኾነ ኣብሪሆምም።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም እውን ገሊፆም።

ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣውሮፓ፣ ኤስያ፣ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምንቅስቓስ እናተገበረ ይርከብ ተባሂሉ።

ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ብምስራሕ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ግድብ ብኣግባቡ ንኽልጥን ዕላምኡ ንኽርዳእን ኢሉ እውን ዝፍጠሩ ምድንጋራት ግልፂ ንምግባር ኣድለይቲ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.