Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግጥማት ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሪያል ማድሪድ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 29 ሰሙን ፀወታታት ላሊጋ ስፔን ትማሊ ክልተ ፀወታታት ተኻይዶም።

ኣብቶም ፀወታታት ጋንታታት ኣላቬስን ሪያል ማድሪድን ዓወት ቀኒዑወን።

ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንቫሌንሲያ ኣተኣናጊዳ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ፥ ካሪም ብንዜማ ክልተ ሸቶታት ከምኡ እውን ማርኮ ኣሳንሲዮ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቦም።

ጋንታ ኣላቬስ ድማ ንጋንታ ሪያል ሶሲዬዳድ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ።

ሴይንዝን ማርቲንን ድማ እተን ሸቶታት ዘቑፀሩ ተፃወትቲ ኢዮም።

ላ ሊጋ ስፔን ጋንታ ባርሴሎና ብ64 ነጥቢ እንትትመርሖ ሪያል ማድሪድ ብ62 ነጥቢ ትስዕብ ኣላ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.