Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ጅማ አባ ጅፋርን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፀወታ ቤትኪንግ ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ጅማ አባ ጅፋርን ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን።

ጌታነህ ከበደ ቅድሚ ዕረፍቲ ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሽቶ እንተመዝግብ፥ ተመስገን ደረሰ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ንጋንታ ጅማ ኣባ ጅፋር ኣመዝጊቡ፡፡

ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ18 ፀወታ 45 ነጥቢ ብመሓዝ እናመርሐት ትርከብ፡፡

ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡና 33 ነጥቢ፤ ቅዱስ ጊዮርዲስ 31 ነጥቢ ብመሓዝ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ብምዃን ይስዕባ ኣለዋ፡፡

ጅማ ኣባ ጅፋር 12 ነጥቢ ኣዳማ ከተማ 8 ነጥቢ ብመሓዝ ሓደጋ ምውራድ ኣንፀላሊዩወን ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.