Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 200 ሆቴላት ንካልኣይ ግዘ ደረጃ ምደባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ዓመት ኣብ 200 ሆቴላት ንካልኣይ ግዘ ደረጃ ምደባ ንምክያድ ትልሚ ከምዝሓዘ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኩለን ሆቴላት ዳግም ብደረጃ ንምምዳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ሆቴላት ዘተ ኣካይዱ።

ደምቢን መምርሒን ደረጃ ምደባ ብዝእዝዞ መሰረት በቢ ሰለስተ ዓመቱ ካልኣይ ክምደቡ ስለዝግባእ፥ ኣብ 2008 ዓ.ም ብደረጃ ኮኾብ ዝተመደቡ ሆቴላት ኣብዚ ዓመት ኣብ 200 ሆቴላት ዳግም ደረጃ ምደባ ንምክያድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ኣብ ተወዳዳሪነት ፅሬት ኣወሃህባ ግልጋሎትን ስርዓት ኣመዳድባ ደረጃ ሆቴላትን ዝነበሩ ኣከያይዳታት ቀሪቦም ዘተ ከምዝተገበረሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.