Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ቫሌንሺያ ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ዝሰበረት ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ለተሰንበት ምስ ዋና ኣሰልጣኒኣ ሃይለ ኢያሱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ፣ ፕዚዳንት ማሕበር ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣትሌት ማርቆስን ገነቴ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣይተ ቢሊልኝ መቆያን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ጓል 22 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ፥ ብቕድሚ ትማሊ ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ደቒቕ 6 ሰከንድን 62 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ከምዝተዓወተት ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ክተመሓይሽ ክኢላ ኢያ።

ኣትሌት ጥሩነሽ ቅድሚ 12 ዓመት፥ 14 ደቒቕ 11 ሰከንድን 15 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ክብረ ወሰን እቲ ርሕቐት ብምስባር ሒዛቶ ፀኒሓ ነይራ።

ኣትሌት ለተሰንበት ክብረወሰን እቲ ርሕቐት ምስባራ ስዒቡ ኣብ ዝሃበቶ ርኢቶ፥ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልማ ከምዝነበረን ምዕዋታ ከምዘሐጎሳን ገሊፃ።

ፎዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ ለተሰንበት ዘመዝገበቶ ዓወት ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ተወሳኺ ምልዕዓል ከምዝፈጠረ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.