Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 10 ሽሕ ርሕቐት ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ነቲ ብኔዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ዝተመዝገበ ክብረወሰን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣማሓይሻቶ።

ለተሰንበት ነቲ ርሕቐት ብልዕሊ ሓሙሽተ ሰከንድ ኢያ ኣመሓይሻቶ።

ኣብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ሄንግሎ ዝተኻየደ ናይ ትማሊ ውድድር ነቲ 10 ሽሕ ሜትር ርሕቐት ኣብ 29 ደቒቓ 01 ሰከንድን 03 ማይክሮ ሰከንድን ዛዚማቶ’ላ።

ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኔዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ነቲ ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ብ2016 ኣብ ኦሎምፒክ ዝተትሓዘ ክብረወሰን ብ10 ሰከንድ ኣማሓይሻቶ ነይራ።

“ክብረወሰን ንምምሕያሽ ክጎይይ ተፀብየ ነይረ” ኢላ ጓል 23 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ።

ንቐፃሊ ንክብረወሰን ዓለም ዳግም ካብ 29 ደቒቓ ከመሓይሾ ድልየት ኣለኒ ክትብል እውን ተዛሪባ።

ለተሰንበት ናይ 5 ሽሕ ሜትር ርሕቐት’ውን ክብረወሰን ከምዝሓዘቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብዚ እዋን ኣብ ክልቲኡ ርሕቐት ክብረወሰን ብምውናን ነቲ ካብ 1986-1993 ብኢንግሪድ ክሪስቲያንሰን ዝተታሕዘ ታሪኽ ደጊማቶ’ላ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.