Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ሳሙኤል ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ዓለም ለኻዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ።

ውድድር ሓንቲ ማይል ውሽጢ ገዛ ትማሊ ኣብ ኣየርላንድ፣ ኣትሎን ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ነቲ ውድድር ብ3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 86 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ተዓዊቱ።

ስለዝኾነ ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ስኮትላንዳዊ ስኮት ኦሃር ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 61 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ ኢዩ።

ፍልፍል፦ African Athletics United

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.